ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ኣድሕን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝፈረሰ ህንጻ ዝተቐብሩ ሰራሕተኛታት ንምድሓን ፈተሻ ይቕጽሉ


ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ፈተሻ
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ፈተሻ

ጆርጅ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝህነጸ ዝነበረ በዓል ሓሙሽተ ደርበ ርሻን ድሕሪ ምፍራሱ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቶም ተቐቢሮም ዘለዉ ኣስታት ሰራሕተኛታት ንምድሓን ይጓየዩ ከም ዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ናይ 24 ሰዓታት ፍተሻ፡ 27 ሰራሕተኛታት ካብቲ በዓል ፍርስራስ ክድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ።

ዛጊት’ውን ካብቶም ተቐቢሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ደሃይ’ቶም 11 ከም ዝተረኽበን፡ ንምውጻኦም ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉን ተሓቢሩ። እንተዀነ 46 ሰራሕተኛታት ገና ደሃይ የብሎምን። ሽዱሽተ ድሮ ምማቶም ተረጋጊጹ ኣሎ።

ሰለስተ ጋንታታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ስራሕ ኣለሻ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ እዋኑ 75 ሰራሕተኛታት ህንጻ ኣብቲ ቦታ ምንባሮም ተፈሊጡ።

እቲ ዓቢ ህንጻ፡ እንኮላይ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ገራጁ ከም ዝፈረሰ ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ምኽንያት እንታይ ምንባሩ ንምፍላጥ ግን ገና ኣብ ምጽራይ’ዩ ዘሎ። በቲ ሓደጋ ሓዘኑ ዘካፈለ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲርዩል ራማፎዛ፡ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG