ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ -- ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ተኣሲሮም


ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፋይል

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሜድያን ሕትመትን ዝኾኑ መምህር ዶ/ር ኣካለወልድ ተሰማ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት፣ እቶም ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ፌደራል ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለው ኣረጋጊፅና ኣለና ኢሎም። ካብ መንጎ እቶም ተኣሲሮም ዝተባሃሉ ኣገልገልቲ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣህጉረ ስብከት ደቡብን ምዕራብን ኣፍሪቃ፣ መሪጌታ ብርሃኑ ተክለ ያሬድ ከም ዝርከቡዎም መምህር ዶ/ር ኣካለወልድ ገሊፆም። እቶም ኣገልገልቲ ኣብ ቐይዲ ዝኣተውሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ቤተክርስቲያን ዝሃበቶም ሓላፍነት ዝተኣሳሰር ይኹን ኣይኹን ንምፅራይ፣ ክትትል ንገብር ኣለና ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡና ዝሓተትናዮም ወሃቢ ቃል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀላን ዓብዲ፣ እቲ ጉዳይ ንኮማንድ ፖስት እዩ ዝምልከት ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለው። ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ካብቶም ሓሙሽተ እሱራት እቶም ክልተ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG