ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ክልል ኣምሓራ 4.1 ሚልዮን ቆልዑ ካብ ትምህርቲ በዂሮም” ኦቻ


ከተማ ደሴ - ፋይል
ከተማ ደሴ - ፋይል

ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ጎንጺ፡ ልዕሊ4,100 ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን ምህላወን ኣመልኪቱ።

እቲ ትካል ወሲኹ፡ ካብ 300 ክሳብ 350 ዝኾና ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን እንተስ ብኸፊል ወይ ድማ ብምሉእ ዓንየን ካብ ስራሕ በዂረን ምህላወን ሓቢሩ። በዚ መሰረት ድማ ድማ ኣስታት 4.1 ሚልዮን ኣብ ትምህርቲ ክህልዉ ዝግበኦም ቆልዑ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ምብኳሮም ኦቻ ገሊጹ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፡ ድምር ውጽኢት ሰብ-ሰራሕ ቅልውላውን ባህርያዊ ደርቂን ተደሚሩ ንኣስታት 1.5 ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቶም ተጸበይቲ መግቢ ኮይኖም ምህላዎም'ውን ይገልጽ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወለዲ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ቅልውላዋትን ብኵራት ትምህርቲን ንትሕተ-ዕድመ መርዓታት ደቀንስትዮ ይድፍኡ ከም ዘለዉ ጠቒሶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG