ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ምስ ሰበ-ስልጣን ዮርዳኖስ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ዮርዳኖስ
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ዮርዳኖስ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ዮርዳኖስ ምስ ሰበ-ስልጣን`ታ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ቓዛን ሰብኣዊ ኩነታትን ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ተኽእሎ ምቁራጽ ተኹሲ ይዘራረብ ኣሎ።

ብሊንከን ኣብ መንገዱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክዛረብ ከሎ፡ ሓማስ ነቲ እስራኤል ኣቕሪባቶ ዘላ "ኣዝዩ ልግሳዊ" ዝበሎ ሓሳብ ክቕበል ተስፋ እገብር ኢሉ። እስራኤል ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባር ክትሰማማዕ ከም ለውጡ ድማ ሓማስ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ሰባት ክለቅቕ ዝብል`ዩ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ። ነዚ ድማ ሓማስ ክቕበሎ ብሊንከን ይደፍእ ኣሎ።

ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ሓማስ ትማሊ ኣብቲ ቐጠር ትሽምግሎ ዘላ ልዝብ ንምስታፍ ኣብ ግብጺ ተረኺቡ ኔሩ ።

እስራኤል መጥቃዕታ ክተቋርጽ ሓማስ ድማ ጅሆ ዝሓዞም ክፈትሕ ዝብል`ዩ ቐጠር ትደፍኣሉ ዘላ ሓሳብ፡ ብወገን ሓማስ ዝተሰምዐ መልሲ የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG