ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓያል ዝናብ ኬንያ ንዜጋታት ንሕማም ሸሮኽ የቃልዕ


ኣብ ኬንያ ድሕሪ ዝሃረመ ሓያል ዝናብ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ሕማም ሸሮኽ ምግጣሙ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንምንጭታት እቲ ውድብ ብምጥቃስ ከም ዘሰፈሮ፡ ኣብ ምብራቓዊ ወገን እታ ሃገር ድሮ 44 ዜጋታት በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ።

ተወከልቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኬንያ፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምግፋሑ ቅልጡፍ ሓገዝ ክግበር ጸዊዑ።

ካብ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ሓያል ዝናብ ኬንያ፡ ዛጊት 238 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ንኣስታት 230-ሽሕ ዜጋታት ምምዝባሉ ዝተሓበረ እቲ ዝናብ፡ 75 ሰባት’ውን ደሃዮም የሎን።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ረቡዕ ኣትሒዘን ክኽፈታ ምዃነን ኣመልኪቱ ኣሎ።

እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወርድ ዘሎ ኢሊኖ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ፡ ድሕሪ ነዊሕ ብኵራት ዝናብ ዝተመልሰ ኰይኑ፡ ንዝመጽእ ዓመታት ተመሳሳሊ ደርቂ ከጓንፍ ከም ዝኽእል’ውን ትንበያ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት መጠንቀቕታ ይሰድድ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG