ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞታት ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ብኸመይ ይጸልዎ?


ተቓውሞታት ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ብኸመይ ይጸልዎ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

ተቓውሞታት ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ብኸመይ ይጸልዎ?

ኣብ ሓያሎ ዩኒቨርስታትን ገለ ከተማታትን ኣመሪካ ንፍልስጤማዊያን ዝድግፉ ተቓወምቲ ዝተኸሉዎ ቴንዳታትን ፈሪሱ’ዩ። እንተዀነ፡ እቲ ተቓውሞ እናሓየለ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ንዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ቐዳም ኣብ ዩኒቨርስቲ ቪርጂንያ፡ ልዕሊ 20 ንፍልስጤማዊያን ዝጣበቑ ተሰለፍቲ ክእሰሩ እንከለዉ፡ ቴንዳታቶም ድማ ፈሪሱ። እዚ ግን ነዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ዝገትኦ ኣይመስልን። ኣብ ከም በዓል ዩኒቨርስቲ ሚሺጋን እቲ ተቓውሞ ናብ እዋን መመረቕታ’ዩ ሰጊሩ።

ተመሃሮ ተቓውሞ ኣብ ዝጀመሩላ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ፡ ቴንዳታት ብሰሉስ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ከንቲባ ከተማ ኒው-ዮርክ ዝዀነ ኢሪክ ኣዳምስ፡ ኣብ መመረቕታ ብሰላም ዝሓለፈሉ መንገዲ ይሰርሑ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

“ትካላት ትምህርቲ ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበሮ ዕለተ-መመረቕታ ብሕጉስ ሃዋሁን ሰለማዊ መንገዲን መታን ከሕልፈኦ ክንሰርሕ ኢና። ኵሉ ነገር ብሰለማዊ መንገዲ ክፍጸም ድማ ተዳሊና ኣሎና።”

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሓሙስ መደረኡ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ባይደን መሪሕነት ሒዙ ዘሎ ሚች ላንድሪዩ’ውን ብሰንበት ኣብ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ነዚ ኣርእስቲ ኣልዒሉ ነይሩ።

“ኵሉ ዜጋ ናይ ምቅዋም መሰል ኣለዎ። እንተዀነ ብሰለማዊ መንገዲ ክግበር ግዴታ ኣለዎም። ካብኡ ወጺኡ ናብ ጎነጽ ምስ ዝሰግር ግን ተሓታትነት ክህሉዎ’ዩ። ንኸምኡ ዝኸውን ቦታ የሎን። ኣንጻር ዓሌት ሴምነት ዝኸይድ ጎስጓሳት ቦታ ኣይክህሉዎን’ዩ። ኣንጻር እስልምና ዝኸይድ ጎስጓስ’ውን ቦታ ኣይክህሉዎን’ዩ።”

ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ንስለ-ፍልስጤማውያን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞታት ነቒፉ።

ኣብቲ ትሩዝ ሶሻል ዝብል ማሕበራዊ መራኸቢታቱ፡ “ጠንቂ ናይቲ ኵሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ፕረዚደንት ባይደን’ዩ፡” ክብል ከሲሱ።

ግብረ-መልሲ ትራምፕ፡ ኣብ ወፍሪ ምርጫ ከርብሖ ከም ዝኽእል ምሁር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ማይክል ትራጎት ይኣምን።

ትራጎት ንሕጹይ ፕረዚድነት ትራምፕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት“ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርስታት ተቓውሞ ንምስማዕ ቴንዳታት ተኺሎም ዘለዉ ተማሃሮ ክእሰሩን ክበቱንን’ዩ ዘድሊ። እንተዀነ ፕረዚደንት ነዚ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንምእላይ ቀጥታዊ ሓይሊ ከም ዘይብሉ ግን ክኣምን ኣይደለየን ወይ ድማ ኣይፈለጠን”ይብል።

እዞም ተቓውሞታት እንተቐጺሎም ግን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝህሉ ሃገራዊ ምርጫ ኣመሪካ ተራ ክጻወቱ ምዃኖም ትራጎት ይኣምን።

“ከም ዝመስለኒ እዞም ተቓውሞታት፡ ኣንጻር’ቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ርእይቶ ስለ ዝዀኑ፡ ንትራምፕ ዘርብሑ’ዮም። ከም ካልእ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናቶም ድማ ነቶም ንፕረዚደንት ባይደን ክመርጹ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ደገፍቲ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ድምጾም ካብ ምሃብ ክቝጠቡ ዘለዎም ተኽእሎ ዓቢ’ዩ።”

ንዝኽሪ ህልቂት ናዚ፡ ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ቤተ-መዝከር ሆሎካስት ኣብ ዝህሉዎ መደረ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንጉዳይ ጸረ-ሴማውነት ክዛረበሉ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ሰሙን ድማ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ዝበዝሓ ጊዚኡ ኣብ ኒው-ዮርክ ክስታት ንምምላስ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ንገሊኡ ድማ ን11 ግንቦት ኣብ ኒው-ጀርሲ ዝህሉዎ መደብ ጎስጓስ ምርጫ ከሕልፎ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG