ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ምርጫ ኣመሪካን መሰል መፍረ ደቂኣንስትዮን


ወፍሪ ምርጫ ኣመሪካን መሰል መፍረ ደቂኣንስትዮን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00

ወፍሪ ምርጫ ኣመሪካን መሰል መፍረ ደቂኣንስትዮን

ናይ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝትግበር ምንፃል ጥንሲ ዝኽልክል ሓዱሽ ሕጊ ኣፅዲቓ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ወፍሪ ዶናልድ ትራምፕ ክፍለ ግዝኣታት መሰላት መፍረ ናይ ምቁፅፃር መሰል ክህልወን ይሕለቑለን ኣለው። ጆ ባይደን ግን እቲ ስልጣን ናብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ግዝኣታት ምሃብ ንህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ይብሉ።

ወፍሪ ምርጫ ፕረዚደንት ባይደን መሰላት መፍረ ቀንዲ መለዓዐሊ ዛዕባ ዳግመ ምርጭኦም ይገብሩዎ ኣለው። ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኣብታ ሓድሽ ሕጊ ምንፃል ግብራዊ ዝኾነላ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ጎስጓስ ኣካይደን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG