ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ካብ ዙር ኢጣልያ ተኣልዩ


ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መበል ራብዓይ ዙር ውድድር ዙር ኢጣልያ (ጂሮ ኢጣልያ) ብዘጋጠሞ ሓደጋ፡ ካብቲ ውድድር ምስሓቡ ተሓቢሩ። ቢንያም ናብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ክበጽሕ ኣስታት 67 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ’ዩ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ካብቲ ውድድር ወጺኡ። ጸኒሑ ብኣምቡላንስ ካብቲ ውድድር ክወሰድ ተራእዩ።

ጋንታኡ ኢንተርማሸ፡ ቢንያም ንሕክምና ተወሲዱ ዘድሊ መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ውጽኢት እቲ መርመራ ኣብ ቀረባ ግዜ ከፍልጡ ምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ቢንያም ካብቲ ውድድር ደኣ ይተኣለ’ምበር ናብ ደቂ-ጋንታኡ ምምላሱ’ውን እታ ጋንታ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ጠቒሳ ኣላ።

ኣብ ሳልሳይ ዙር እቲ ውድድር መበል ሳልሳይ ተርታ ዝሓዘ ቢንያም፡ ካብቶም ጋንታኡ ኣብ ዝቕጽል መድረኻት እቲ ውድድር ክዕወቱ ዓቢ ተስፋ ኣንቢራትሎም ዝነበረ ተወዳዳራይ’ዩ።

ወዲ 24 ቢንያም ግርማይ ኣብ 2022 ኣብ ቱር ክላሲክ ናይ ሀንት ዎቨልሀም(Gent-Wevelgem) ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣብ 2022'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዙር ኢጣልያ ሓደ መድረኽ ብምዕዋት ተመሳሳሊ ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ። ድሕሪ ናይ ኢጣልያ ናይ መድረኽ ዓወት ግን ሻምፓን ኣብ ምኽፋት ሓደጋ ምስ ኣጓነፎ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ’ዩ።

ቢንያም ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዝዓበየ ውድድር ዙር ፈረንሳ 2023 ኣብ ሓደ መድረኽ ሳልሳይ ብምውጻእ ተመሳሳሊ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ናብ መድረኽ ዝደየበ ኰይኑ ካልእ ክብረ-ወሰን’ውን ኣመዝጊቡ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG