ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮኸብ ተዋሳኢት ሚርያም ምስግና ባዕላ ዝደረሰታ ሓዳሽ ፊልም ትዝርግሕ


ኮኸብ ተዋሳኢት ሚርያም ምስግና ባዕላ ዝደረሰታ ሓዳሽ ፊልም ትዝርግሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:31 0:00

ኮኸብ ተዋሳኢት ሚርያም ምስግና ባዕላ ዝደረሰታ ሓዳሽ ፊልም ትዝርግሕ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝፈርያ ብዙሓት ፊልምታት ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ዝሰርሐት ሚርያም ምስግና፡ ናብዚ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምምጻኣ፡ ባዕላ ዝደረሰታ ሓዳሽ ፊልም ዘርጊሓ`ላ።

እታ 'ሆምለስ' ዘርእስታ ፊልም ካብ ኣፍሪቃ መጽዮም ኣብ ኣመሪካ ተናበይቲ ጎደና ብዛዕባ ዝኾኑ ሰባት መልእኽቲ ተሕልፍ ምዃና ሚርያም ትገልጽ።

“ናብ ኣመሪካ ክትመጽእ ከለኻ ሒዝካዮ ትመጽእ ትጽቢትን፡ ኣብዚ ዝጸንሓካ ክውንነትን በበይኑ`ዩ” ትብል ስነ-ጥበባዊት ሚርያም፡ ኣብ ኣመሪካ ንግዳም-ሓደር ህይወት ዝተቓልዑ ዜጋታት ክትርኢ ዘሕዝን`ኳ እንተኾነ ጠንቁ ምርዳእን ናብ ፍርዲ ዘይምጉያይን ከኣ ማዕርኡ ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ።

ሚርያም ኣብ ዓለማዊ መደረኻት ፊልም ካብ ዝረኸበቶ ዕድላት ሓደ ኣብ ኖርወይ ከይዳ ምስ ኖርወጃውያን ተወሳእቲ ብእንግሊዝኛን ትግርኛን ዝተዋሳኣትሉ ፊልም ተጠቃሳይ ምዃኑ ገሊጻ`ላ።

ሚርያም ምስግና ኣብ ናይ ባዕላ ዲዛይንን ሞደሊንግን ከምኡ`ውን ንባህልን ብሄራትን ኤርትራ ዘንጸባርቕ ክዳንን መመላኽዕን ሒዛ ንኻልኦት ዲዛይነራትን ነጋዶን ኣብ ምፍላጥ `ውን ትነጥፍ ዘላ ስነ-ጥበበባዊት`ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG