ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ብዘጋጥም ዘሎ ውሕጅ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም


ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ቁጽሪ ምስ ውሕጅ ብዝተኣሳሰር ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት 200 ምሕላፉ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ሎሚ ዓርቢ ገሊፁ። 'ሳይክሎም' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ህቦቡላ ናብ ገማግም ታንዛኒያ በፂሑ ኣሎ።

ንመብዛሕትኡ ኽፋል ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ ምንሽርታት መሬት፣ ዕንወት ዘራእትን ምዝንባል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባትን ኣስዒቡ እዩ።

ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር 210 ሰባት ሞይቶም ኣለው’’ ኢሉ።

ልዕሊ 165,000 ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ተመዛቢሎም፤ ካልኦት 90 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ስለዘይፍለጥ ብዝሒ ዝሞቱ ካብቲ ዝተገለፀ ንላዕሊ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሚቱ ኣሎ።

ኬንያን ብተመሳሳሊ ተርእዮ 155 ሰባት ዝተቐትሉዋ ጎረቤታ ታንዛኒያን፣ ንፋስን ማዕበልን ዘስዕብ 'ሂዳያ' ዝብል ሽም ንንዝተዋህቦ ህቦብላ ይዳለዋ ኣለዋ።

ሰበስልጣን ታንዛኒያ ህቦብላ 'ሂዳያ' ምሉእ ሳይክሎን ንክኸውን እናበርተዕ ይመፅእ ኣሎ ክብሉ ሎሚ ዓርቢ ኣጠንቂቖም።

እዚ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ዝኾነ ዝናብ ኣብ ብሩንዲ እውን ካብ መስከረም ኣትሒዙ እንተወሓደ ን29 ሰባት ቀቲሉ፣ንካልኦት 175 ሰባት ኣቑሲሉን ንዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዘመዛበለ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ብዝናብን ውሑጅን ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG