ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንክሊማዊ ለውጢ ዝሰርሕ ትካል ንምምስራት ዝሰርሑ ኣፍሪቃዊያን


ንክሊማዊ ለውጢ ዝሰርሕ ትካል ንምምስራት ዝሰርሑ ኣፍሪቃዊያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:51 0:00

ንክሊማዊ ለውጢ ዝሰርሕ ትካል ንምምስራት ዝሰርሑ ኣፍሪቃዊያን

ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝሳነ ናይ ብሕቲ ትካል ምጅማር ቅድሚ ሒደት ዓመታት ከቢድ እዩ ኔሩ። ሎሚ ግን፡ እኹል ዝብሃል`ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ውልቃዊያን ኣውፈርቲ ትካላት ብዝግበር ዘሎ ሓገዝ እቲ ስራሕ እናዓበየ ይከይድ ኣሎ።

ኣደሞላ ኣደሲና ኣብ ናይጀርያ ሓደ ብባትሪ ትሰርሕ ትካል ጸሓያዊ ጸዓት ጀሚሩ፡ ኣብ 2015 ዕላምኡ ነቶም ነኣሽቱ ትካላት ንግዲ ንምክፍፋል`ዩ። ኣብቲ እዋን`ቲ ንጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ገንዘብ ምርካብ ከቢድ እዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ቴክኖሎጂ ክሊማ ኣብ ኣፍሪቃ ሓዲሽ ስለዝነበረ። እታ ኣህጉር`ውን ንቨንቸር ካፒታል ማለት ንጀመርቲ ትካላት ዝግበር ወፍሪ ገንዘብ ኣይጸንሓን። “ብገንዘብ ዝሕግዘና ኣይነበረን” ይብል ኣደሞላ ኣደሲና። ካብ ቨንቸር ካፒታል ኮነ ካብ ካልኦት ምንጭታት መበገሲ ዝኾኖ ገንዘብ ንምርካብ ዓመት ወሲድሉ። ካብ ኣውፈርቲ ለውጢ ክሊማ ሓደ ሚልየን ዶላር ጥራይ ከዋህልል ክኢሉ። ሎሚ ግን እቲ ስርዓት ተፈጥሮኣዊ ስነ-ህይወት እናተቐየረ መጽዩ፡ ትካሉ `ኣደሲና ሪንሶርስ ኤነርጂ` ክሳብ 30 ሚልየን ዶላር ክረክብ ክኢሉ፡ ዝበዝሐ ካብ ቪሲ ማለት ቨንቸር ካፒታል ወይ ኣበገስቲ ፋይናንሳዊ ወፍሪ። “ብዙሕ ትምህርቲ ዝቐሰምኩሉ ተሞክሮ `ዩ” ይብል እዚ ናይጀርያዊ ኣውፋሪ ትካል ጸሓያዊ ጸዓት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG