ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክታት ናይጀርያ ን70% ኣብታ ሃገር ዝረኣ ብልሽውና ተሓተትቲ'የን


ባንክታት ናይጀርያ ን70% ኣብታ ሃገር ዝረኣ ብልሽውና ተሓተትቲ'የን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:13 0:00

ባንክታት ናይጀርያ ን70% ኣብታ ሃገር ዝረኣ ብልሽውና ተሓተትቲ'የን

ኣብ ናይጀርያ ካብ ዝፍጸሙ ገበናት ብልሽውና እቶም 70 ሚእታዊት ኣብ ባንክታት’ታ ሃገር ከምዝፍጸሙ፣ ኮምሽን ቁጠባዊን ፋይናንሳዊን ገበናት ናይጀርያ ኣቃሊዑ። እቲ ትካል ነዚ ሪፖርት’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ኣውጺእዎ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኡቼ ኡሂሪ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 30 ሚእታዊት መኽሰብ ኣለዎ ዝተባህለ ውዲት ንግዲ ሕርሻ ከምዝሰምዐት ትዛረብ። ነቲ ሓበሬታ ኣሚና 550 ዶላር ከምዘዋፈረት ድማ ትዛረብ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና ተግባር ምድንጋር ኮይኑ። መስራቲ’ቲ ንግዲ ምስ ተሰወረ፣ እቲ ኩባንያ ተዓጸወ። ድሕሪኡ ንዝሰዓበ ንሳ ከምዚ ትብል፣ "ናብ መርበብ ሓበሬታ ዘእቱ ቁልፊ ስለዝነበረኒ ክአትው ፈቲነ ነይረ። ገንዘበይ ከምዘሎ መኽሰበይ’ውን ይሪኦ ነይረ። ካብኡ ሓሊፈ ግና ዝገብሮ ነገር ኣይነበረን።"

ካልኦት ዝኸሰሩኣውፈርቲ’ውን ተጓንፎኦም ንፖሊስ ገሊጾም እዮም። እንተኾነ፣ እቲ ዘኽሰሮም ኩባንያ ምስ ሓለፍቲ ባንኪ ተመሳጢሩ 70- ሽሕ ዶላር ከምዝተለቀሐ ብመሓውራት ዜና ኣብ ዝተፈነወ ዜና ሰሚዖም እዮም። እቲ ክሲ ዝቐረቦ ባንኪ ግና ጥፍኣት የብለይን ክብል ሞጉቱ እዩ።

ኡቼ ኦህሪ፡ "ቅድሚኡ ኣጓኒፉኒ ስለዘይፈልጥ፣ ከምዚ ላግጺ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ። ማለተይ፣ አለካን'ዶ ከምዚ ዘላግጹ ዘለው መሲሉኒ ተራእዩኒ ነይሩ። ግን ከምኡ ኣይኮነን።"

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG