ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ውግእ ኣብ ሲቪላዊያን ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ


ከተማ ደሴ - ፋይል
ከተማ ደሴ - ፋይል

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኻየደ ውግእ ካብን ናብ ደሴን ወልድያን ይጓዓዛ አብ ልዕሊ ዝነበራ ክልተ መካይን ጉድኣት ከምዘውረደ ተፈሊጡ።

ወሃብቲ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጽዎ "ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶብስ፣ ብበራሪ ጥይት ድሕሪ ምውቃዓ፣ ዘዋሪኣን ተሳፈርቲን ተቀቲሎም" ይብሉ።

ብዝሒ’ቶም ግዳያት ንምጽራይ ናብ ሆስፒታል ወልድያብምድዋል ሓበሬታ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ሰሜን ሽዋ ዞባ ሽዋ ሮቢትን ኣርማንያን፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጥቓት ፋኖን አብ ዝዋዓለ ውግእ፣ ነቲ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ'ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደሴ ዝጓዓዛ ዝነበራ መካይን፣ ብውሑድ ንሰለስተ ሰዓታት ጠጠው ንክብላ ከምዝተገደዳ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ይወርድ ከምዘሎ፣ ብዘይካ ብዕጡቓት ፋኖ፣ ሓይልታት መንግስቲ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ቅትለት ምፍጻሞም ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG