ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት -- ኤርትራ ዝተሓተ መስርዕ ሒዛ


ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ፕረስ ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ማሕበር፡ ብምኽንያት ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ተኸቢሩ ዝውዕል መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ምስፋሕ ጎንጽታትን ኲናትን ብዓለም ደረጃ ናጽነት ፕረስ እናንቆልቆለ ምምጻኡ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል ወሲኹ፡ እቲ ቀንዲ ስእነት ናጻ ፕረስ ብፖለቲካውያን መራሕቲ ዝርአ ብዅረት ምክልኻል ንናጻ ፕረስ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝተዘርግሐ ዓመታዊ ተርታ ሃገራት ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት እታ ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዝርኣየላ ሃገር ተሰይማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ማለት 180 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተዝርግሐ መስርዕ፡ ኤርትራ መበል 174 ክትስራዕ እንከላ፡ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ምድብ ሰሜን ኮርያ’ያ ነይራ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መስርዕ ኢትዮጵያ መበል 141 ካብ 180 ሃገራት ተርታ ሒዛ ኣላ። ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት መበል 130 ተርታ’ያ ተሰሪዓ ነይራ። ናይ ሎሚ ዓመት ዝበለጸ ናጻ ፕረስ ዝተራእየላ ሃገር ኖርወይ ክትከውን እንከላ፡ ኣመሪካ መበል 55 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG