ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ነቲ ብሕ/ሃ ዝቐረበ ኣብ ጠፈር ውድድር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይግበር ዝኽልክልን ንድፊ ብምቅዋም ኩሉ ኣጽዋራት ክእገድ ጸዊዓ


ሩስያ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዝነበረን ኣብ ላዕላዋይ ጽፍሒ ጠፈር ውድድር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይግበር ዝኽልክልን ንድፊ፡ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ኣውዲቓቶ። ኣብ ክንድኡ ድማ ኩሉ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ንሓዋሩ ክእገድ ጸዊዓ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሩስያ ቫሲሊ ነበንዚያ፡ ነቲ ንድፊ ዝሓንጸጻ ኣመሪካን ጃፓንን፡ ገበነኛታት ምስሉይነትን ድርብ መዐቀንን እየን ኢሉ። ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ጠፈር ወተሃደራዊ ዳህሳስ ክገብራን ብፍላይ ድማ ወቒዑ ዘውድቕ ኣጽዋራት ክሃንጻ እየን ዝሓስባ ዘለዋ ክብል`ውን ከሲሱ።

ምኽትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ሮበርት ውድ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ "እቲ ሓቂ ሩስያ ኣብዚ እዋን`ዚ ብርክት ዝበለ ጸረ ሳታላይት ኣጽዋራት ኣብ ህዋ ከም ዘለዋ`ዩ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ 2019 ፈቲናቶ`ያ" ኢሉ። ኣተሓሒዙ ሩስያ ንሳታላይታት ወቒዓ ንምውዳቕ ኣፈራሪሓ`ያ ድሕሪ ምባል "ሩስያ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝስከም ሓዲሽ ሳታላይት ከይተረፈ ትሃንጽ ከም ዘላ እሙን ሓበረታ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ለካቲት 2023፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ነቲ ምዕራባውያን ንዩክሬን ዝገብርኦ ደገፍ ንምቅዋም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሩስያ ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝኣተወቶ `ኒው ስታርት ትሪቲ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዕል ቁጽጽር ኑክሌርን ዘለዋ ተሳትፎን ክተቋርጾ ምዃና ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ።

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ግጉይ ቅመራ፡ ዕርገት ውጥረትን ቅዝፈትን ስለዘስዕብ ክውገድ ይግባእ ኢሉ።

ብመሰረት ኣብ ሚያዝያ 2022 ዝወጸ ሓዲሽ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሓንቲ፡ ንንድፊ ባይቶ ጸጥታ ብድምጺ እንተስዒራቶ ኣብ ቅድሚ ኩለን`ተን 193 ሃገራት ዓለም ቀሪባ መብርሂ ክትህበሉ ኣለዋ።

ኣብቲ ኣመሪካን ጃፓንን ዘቕረብኦ ኣብ ጠፈር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝእግድ ንድፊ-ሓሳብ፡ ካብ መንጎ`ተን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ 15 ሃገራት፡ 13 ክድግፋ ከለዋ፡ ቻይና ድምጸ ተዓቁቦ እያ ኣድሚጻ። ሩስያ ድማ መሰላ ተጠቒማ ብድምጺ ኣውዲቓቶ።

ድሕሪ ሰሙን ጸኒሓ ድማ ሩስያ ናታ ንድፈ ውሳነ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪባ፡፡ ኩለን ሃገራት ኑክሌር ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋራት ኣብ ጠፈር ምስፋር ጠጠው ከብላ ዝጽውዕ ንድፊ።

ኣምባሳደር ሩስያ ንኣመሪካን መሓዙታን ክኸሰን ከሎ፡ ንእገዳ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ዝቃወማ ዘለዋ ኣብ ጠፈር ኣጽዋራት ከስፍራን ሓይሊ ክጥቀማን መደብ ስለዘለወን`ዩ ኢሉ።

በዓል-ስልጣን ኣመሪካ ብወገኑ፡ ተግባራት ሩስያ ኣብ መንጎ ሃገራት ክፈላልየና`ምበር ናብ ሓድነት ከምጽኣና ዝደሊ ኣይኮነን ኢሉ።

ናይ ጃፓን ኣምባሳደር ያማዛኪ ካዙዩኪ ብወገኑ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ህዋ ክፍንጀር ከሎ እንታይ ከም እንኸውን`ሞ ሕሰብዎ ክብል ንኣባላት`ቲ ቤት ምኽሪ ሓቲቱ ኔሩ። ብዙሕ ሳታላይታትን ካልኦት ኣገደስቲ ኣብ ጠፈር ዘሎ ትሕተ ቅርጽን ምዓነወ ኔሩ ክብል `ውን እቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ጠፈር ከይትከል ዝሓትት ረቂቕ ክድገፍ ሓቲቱ ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG