ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ንዋዛታት ፕረዚደንት ባይደን ይነቕፉ


ትራምፕ ንዋዛታት ፕረዚደንት ባይደን ይነቕፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

ትራምፕ ንዋዛታት ፕረዚደንት ባይደን ይነቕፉ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ብቐዳም ንወከልቲ ቤተ መንግስቲ ዋይቲ ሃውስን ሰብ-ሞያ መራኸቢ ብዙሃንን ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ዘስምዕዎ መደረን ዋዛታትን ብኣጋይሽ ፅቡቕ ተቐባልነት ረኺቦም። ይኹን’ምበር ኣብዚ ሰሙን ንሓዱሽ ወፍሪ ምረፁኒን ከይዲ ቤት ፍርዲን ይዳለው ዘለዉ ፖለቲካዊ መወዳድርቶም ዶናልድ ትራምፕ ግን ነቲ ምድላው ነቒፎምዎ።

“ምርጫ 2024 ብብዙሕ ምንቅስቓሳት ዝመልአ እዩ ኾይኑ ዘሎ። ዕድመ ኸኣ ሓደ ካብቶም ጉዳያት እዩ። ኣነ ዝኣኸልኩ ሰብኣይ ኣንፃር ወዲ 6-ዓመት ህፃን ይወዳደር ኣለኹ” ዝብል ካልኦት ንገዛእ ርእሶምን ፖለቲካዊ መነሓንሕቶም ኣብ ምርጫ 2024 ኣድሂቦም እናተዋዘዩ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ ብቐዳም ዝተዳለወ ዓመታዊ እንግዶት ድራር ካብ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት፣ ፍሉጣት ሰባትን፣ ፖለቲከኛታትን ጣቒዒትን ሰሓቅን ረኺቡ እዩ። ብቐንዱ ድማ እቶም ዋና ኣዛዚ ንፈለማ እዋን ንሕጋዊ ብድሆታት ዶናልድ ትራምፕ ጠቒሶም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG