ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"72 ሚእታዊት ኣባይቲ ቓዛ ዓንዮም'ዮም" ሕ/ሃ


ኣብ ቓዛ ዝዓነው ኣባይቲ ዳግም ንምህናፅ እንተወሓደ ክሳብ 2040 ሓያሎ ዓመታት ጊዜ ክ ወስድ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ደብዳብ እስራኤል ቢሊዮናት ዶላር ዝውድእ ንብረት ኣዕኒዩ፣ ነቲ ሰባት ብብዝሒ ዝነብርሉ መብዛሕትኡ ነዋሕቲ ህንፃታት ናብ ኩምራ ፍርስራስ ቀይሩዎ እዩ።

ሓበሬታ ፍልስጤማዊያን ከምዝሕብሮ ድሕሪ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ኣስታት 80,000 ኣባይቲ ዓንዮም ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማዊያን ድማ ተቐቲሎም።

ሓደ ገምጋም ህንፅት ኣብ 2021 ኣብ ቓዛ ንዘጋጠመ ቅልውላው ዝተዋህበ ግብረ መልሲ ሓሙሽተ ዕፅፊ ናይ ህንፀት ናውቲ እንተቐሪቡ ዳግመ ህንፀት ዝዓነው ኣባይቲ ክሳብ 2040 ክ ውዳእ ይኽእል እዩ ይብል ።

ገምጋም ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ግን እቲ ቕድሚ ሎሚ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ሓያሎ ግጭታት ስዒቡ ዳግም ንምህናፅ ዝወሰደ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ቓዛ ‘’ኩሉ ዝዓነወ ኣባይታ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ዳርጋ 80 ዓመት ክወስደላ እዩ’’ ይብል።

ኣብ ምስልታት ሳተላይት መሰረተ ዝገበረ ካልእ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ድማ 85.5 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ቓዛ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ዕንወት ወሪዱወን ኣሎ። ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት 70 ሚእታዊት ኣባይቲ ዓብይ ወይ ምሉእ ህንፀት የድለይን ይብል ።

ዳይረክተር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዞባዊ ቢሮ ሃገራት ዓረብ ዓብዳላህ ኣል ዳርዳሪ "ኣብ ቓዛ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤማዊያን፣ ምብራቕ የሩሳሌም፣ ምዕራብ ገማግምን ቓዛን መዕቀኒ ሰብኣዊ ልምዓት ብ20 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ። ቓዛ በይኑ ግን 40 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ’’ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG