ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ኣመሪካ ይቕጽል፣ ስነ ስርዓት መመረቕታ ይስረዝ


ኣብ ማሳቹሰት ኢንሲቲትዩት ቴክኖሎጂ (MIT)፡ ንፍልስጤማውያን ዝጣበቑ ተመሃሮ፡ ፖሊስ ንምፍራስ ቴንዳታቶም ኣብ ዝፈተነሉ፡ ኢድ፡ንኢድ ተተሓሒዞም ናብቲ ቀጽሪ ምእታው ከም ዝኸልከሉ ተፈሊጡ። እቶም ተመሃሮ፡ ብሓይሊ ፈንጺጎም’ውን ነቲ ቦታ ከም ዝተቖጻጸሩዎ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ኣድማ ዝጀመረላ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ እቲ ዓቢ መመረቕታ ተሰሪዙ ብኣዝዩ ንእሽቶ መጠን ኣብ ክፍልታት ክወሃብ ተወሲኑ'ሎ።

ኣብጆርጂያ እትርከብ ኢሞርይ ዩኒቨርስቲ’ውን ንስነ-ስርዓት መመረቕታ ኣብ ክንዲ ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ኣትላንታ እትገብሮ፡ ካብቲ ከተማ ኣብ ዝወጽአ ንእሽቶ ኣካል’ቲ ዩኒቨርስቲ ከተካይዶ ወሲና'ላ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ዝጀመረ ኣድማ ዩኒቨርስቲ ኣመሪካ ጸኒሑ ናብ ምሉእ ሃገርን ዝበዝሓ ዩኒቨርስታትን ልሒሙ’ዩ። ተመሳሳሊ ተቓውሞታት’ውን ኣብ ኤውሮጳ፡ ብሕልፊ ድማ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ናይ በርሊን ፍሪ ዩኒቨርስቲ ምርኣዩ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

ጠለብ ተመሃሮ ዩኒቨርስታት ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብ ክበትካን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ መጥቃዕታት ደው ክብል ዝሓትትን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG