ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራኸቢታት ኣመሪካ ንኣገዳስነት ናጻ ፕረስ የመልክታ


መራኸቢታት ኣመሪካ ንኣገዳስነት ናጻ ፕረስ የመልክታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:17 0:00

መራኸቢታት ኣመሪካ ንኣገዳስነት ናጻ ፕረስ የመልክታ

ሎሚ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ፈጻሚት ዳይረክተር ኣገልግሎት ሜድያ ኣመሪካ ዝዀነት ኣማንዳ በነት ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ጋዜጠኛታት በበይነን ሃገራት ብምኽንያት ፕረስ ንዝኸፍሉዎ ዘለዉ መስዋእቲ ብምምስጋን፡ “ናጻ፡ ዘይሻራዊን ርትዓዊን ሓበሬታ ዘይልወጥ ሰብኣዊ መሰል’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን እዚ መሰረታዊ ትዕድልቲ ከም ዘየሎ ጠቒሳ። ንሳ ኣስዒባ እዚ ዕፈና’ዚ እንኮላይ ንመሻርኽቲ እቲ ትካል ከም ዘጓንፍ ጠቒሳ። ካብ መንጎ’ቶም ነዚ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጋዜጠኛ ፕሮግራም ሩስያ ዝዀነት፡ ብዘይ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ንማእሰርቲን ስቓይን ምቅላዓ ጠቒሳ። “ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኰነን” ዝበለት ኣማንዳ በነት፡ እቲ ዝተኣስረት ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተለቒቓ ንገዛኣ ክትምለስ ጸዊዓ።

ብተመሳሳሊ ግዜያዊ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ዝዀነ ጆን ሊፕማን፡ “ሎሚ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ መዓልታዊ ነቲ ዕድላት ዘኽብርን ዝጽውዕን’ዩ፡” ኢሉ። ዳይረክተራት መላፍንቲ ድምጺ ኣመሪካ ዝዀና ከም ረድዮ ናጻ ኤውሮጳን፡ ረዲዮ ናጻ ኤስያ፡ ኣገልግሎት ፈነወ ኲባንን ፈነወ ማእከላይ ምብራቕን’ውን ብተመሳሳሊ ኣገዳስነት እቲ መዓልቲ ብምግላጽ፡ ንመሰል ናጻ ፕረስ ዘለዎም መርገጺ ኣዘኻኺሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG